መእተዊ ነፍሲ ወከፍ ጸሎት ሰዓታት
ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ፡ ኣሜን።
ኦ ጎይታ መሓረና፡ ኦ ጎይታ መሓረና፡ ኦ ጎይታ ባርኸና፡ ኣሜን።
ክብሪ ንኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለምን ኣሜን።
ነአኵተከ እግዚኦ (ነመስግነካ ጎይታ)…
ኦ ጎይታ፡ ነመስግነካን ነኽብረካን ኣሎና። ኦ ጎይታ፡ ኣሚንና ንግዝኣካ ኣሎና። ንቅዱስ ስምካ ንግዛእ ኣሎና። ኵሉ ብርኪ ዝሰግደልካ፤ ኵሉ ልሳን ዝግዝኣልካ ጎይታ ንሰግደልካ ኣሎና። ናይ ኣማልኽቲ ኣምላኽ፤ ናይ ጎይቶት ጎይታ፤ ናይ ነገሥታት ንጉሥ ንስኻ ኢኻ። ክቡር ምስጉን ወድኻ፡ ንስኻትኩምሲ ክትጽልዩ ከሎኹም ከምዚ በሉ እናበለ ከም ዝመሃረና ከምዚ ኢልና ክንጽውዓካ ብቑዓት ግበረና።
ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና…
ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ፡ መንግሥትኻ ትምጻእ፡ ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማያት ከምኡውን ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና። ንሕና ንዝበደሉና በደሎም ከምዝኃደግናሎም በደልና ኅደገልና። ካብ ክፉእ ኣድኅነና እምበር ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፡ መንግሥትን ኃይልን ክብርን ንዘለዓለም ናትካ እዩ እሞ ኣሜን።
በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ…
ኦ እግዝእትየ ማርያም ብናይ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ሰላምታ ሰላም እብለኪ። ብሕሊናኺ ድንግል ኢኺ፣ ብሥጋኺ’ውን ድንግል ኢኺ። ኣደ እግዚኣብሔር ፀባኦት (ጎይታ ሠራዊት) ሰላም እብለኪ ኣሎኹ። ንስኺ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፣ ፍረ ከርሥኽ’ውን ብሩኽ እዩ። ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ፣ ኦ ፍሥሕቲ ደስ ይበልኪ፣ኃጢኣትና ኪሠርየልና ናብ ፍቁር ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ምሕረት ለምንልና።
ናይ ምስጋና ጸሎት
ሠናይ ነገር ንዝገበረልና ይቕረ በሃሊ እግዚኣብሔር፡ ኣቦኡ ንጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነመስግኖ ኣሎና። ሰቲሩናን ረዲኡናን እዩ፤ ሓሊዉናን ዓቕሪቡናን ተቐቢሉናን እዩ።ተማዕቍቡናን ኣጽኒዑናን፣ ራኅሪኁልናን ደጊፉናን ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ’ውን ኣብጺሑና እዩ እሞ ነመስግኖ ኣሎና። ሕጂውን በዛ ቅድስቲ ዕለት እዚኣን ብኹሉ ዘመን ሕይወትናን ብፍጹም ሰላም ኪሕልወና ኵሉ ንዚኅዝ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንለምኖ።
ኦ ጎይታና እግዚኣብሔር፣ ኵሉ እትኅዝ ኣቦኡ ንጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ልዕሊ ኵሉ ኩነታትን፣ ምእንቲ ኵሉ ኩነታትን፣ ኣብ ውሽጢ ኵሉ ኩነታትን ነመስግነካ አሎና። ስለ ዝሰተርካናን ዝረዳእካናን ዝሓሎኻናን፣ ናባኻ’ውን ስለ ዘቕረብካናን ዝተቐበልካናን፣ ስለ ዘዕቆብካናን ዝራኅራኅካልናን ዝደገፍካናን፣ ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ’ውን ስለ ዘብጻሕካናን ነመስግነካ ኣሎና።
ኦ መፍቀር-ሰብ፣ ነዛ ቅድስቲ ዕለት እዚኣን፣ ኵሉ ዘመን ህይወትናን፣ ንዓኻ ብምፍራህ ብፍጹም ሰላም ክንፍጽሞ ካብቲ ሠናያትካ ንኽትህበና ንሓትትን ንልምንን ኣሎና። ኵሉ ቅንኣትን፣ ኵሉ ፈተናን፣ ኵሉ ግብር-ሰይጣንን፣ ምኽሪ ክፉኣት ሰባትን፣ ኅቡእን ግሁድን ዝኾነ ምልዓል ጸላእን፣ ኦ ጎይታ ካባይ ኣርሕቕ፤ ካብ ኵሉ ህዝብኻ’ውን ኣርሕቕ፤ ካብዚ ቅዱስ ቦታኻ እዚ’ውን ኣርሕቕ።
ኵሉ ሠናያትን ዘድሊ ነገርን ዓድለና። ምኽንያቱ ንስኻ ኢኻ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ኃይሊ ጸላእን ክንረግጽ ሥልጣን ዝሃብካና። ካብ ኵሉ ክፉእ ኣድኅነናን ባልኃናን እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና። በቲ ሓደ ወድኻን ጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ምእንቲ ፍቕሪ ሰብ ኢሉ ብዝገበሮ ጸጋን ምሕረትን ይቕሬታን፣ ምሳኻ ማዕረ ምስ ዝኾነ ወሃቢ ሕይወት መንፈስ ቅዱስን፣ ክብርን ግርማን ውዳሴን ኣምልኾን ብኅብረት ምስኡ ናትካ እዩ። ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለም አሜን።
ናይ ንስሓ መዝሙር 51
ኦ ኣምላኽ ከምቲ ዓቢይ ምሕረትካ ምሓረኒ፤ ከም ብዝሒ ርኅራኄኻ ኣበሳይ ደምስስ። ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፡ ካብ ሓጢኣተይ’ውን ኣንጽሓኒ። ኣነ ኣበሳይ ስለዝፈልጦ፡ ኃጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ። ንዓኻ ንበይንኻ ጥራይ በደልኩ፡ ኣብ ቅድሜኻውን እከይ ገበርኩ።ብቃላትካ ቅኑዕ ክትከውን፡ እንተ ፈረድካውን ክትመልኽ። እነሆ ብእከይ ተጠነስኩ፡ እኖይ ከኣ ብኃጢኣት ወለደትኒ። ንስኻ ኸኣ ንዝጋረድካዮን፡ ንስውር-ጥበብካን፡ ስለ ዝገለጽካለይ ንሓቂ ፈተኻ። ብስምዕዛ ትነጽገኒ እሞ እነጽህ፡ ትሓጽበኒ እሞ ካብ በረድ እጽዕዱ። ባህታን ሓጎስን ተስምዓኒ እሞ፡ እተን ዳርቁማት ኣዕጽምተይ ይሕጎሳ። ንገጽካ ካብ ኃጢኣተይ ኸውሎ። ንብዘሎ አበሳይ’ውን ደምስሶ። ኦ አምላኽ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣ ቅኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሓድስ።
ካብ ቅድሚ ገጽካ ኣይትደርብየኒ፣ ቅዱስ መንፈስካ’ውን ኣይተግድፈኒ። ሓጎስ ምድኃንካ ሃበኒ፣ ብዝመርሓኒ መንፈስ’ውን ደግፈኒ፤ ሽዑ መገድኻ ንበደለኛታት ክምህሮምን እየ፣ እቶም ኃጥኣን ከኣ ናባኻ ክምለሱ እዮም።
ኦ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ምድኃነይ፣ ካብ ዕዳ ደም ኣናግፈኒ፣ ልሳነይ’ውን ብጽድቅኻ ኽትሕጎስ እያ። ኦ ጎይታየ ኣፈይ ምስጋናኻ ኪነግርሲ፣ ከናፍረይ ክፈት። መሥዋእቲ ባህ ኣየብለካን እዩ፤ ንመሥዋእቲ ምሕራር’ውን ኣይትብህጎን ኢኻ። እትብህጎ እንተትኸውን ግና መቕረብኩልካ ነይረ። መሥዋእቲ እግዚኣብሔር ትሑት መንፈስ እዩ። ኣምላኽ ንትሑትን ለዋህን ልቢ ኣይንዕቆን እዩ። ኦ ጎይታ ንጽዮን ብሓጎስካ ሠናይ ግበረላ፤ መካበብያ ኢየሩሳሌም ይነደቓ። ሽዑ ብመሥዋእቲ ጽድቂ፣ ብዝሓርር መሥዋእትን ቁርባንን ባህ ኪብለካ እዩ፤ ኣብ መሠውኢኻ’ውን ኣራሑ ከቕርቡልካ እዮም። ሃሌ ሉያ።
ጸሎት ሣልሰይቲ ሰዓት
(ሰዓት 3፡00 ግእዝ (9፡00) ናይ ንግሆ)
ኣብዛ ብርኽቲ መዓልቲ እዚኣ፣ ናይ ሣልሰይቲ ሰዓት ጸሎት ምስጋና ንክርስቶስ ንጉሠይን ኣምላኸይን እናኣቕረብኩ፣ ኃጢኣተይ ክሓድገለይ እልምኖ።
መበል 20 መዝሙር
እግዚኣብሔር ብመዓልቲ ጸበባ ይስማዕካ፣ ስም ኣምላኽ ያዕቆብ ልዕል የብልካ። ካብ መቕደሱ ረዲኤት ይስደደልካ፣ ካብ ጽዮን ከኣ ይደግፍካ። ንመስዋእቲ ብልዕኻ ዘበለ ይዘክሮ፣ ንመስዋእቲ ምሕራርካውን ይቀበሎ። ነቲ ልብኻ ዚምነዮ ይሀብካ፣ ንምኽርኻ ዘበለውን ይፈጽሞ። ብምንጋፍካ ዕልል ንብል፣ ንሰንደቕ ዕላማውን ብስም ኣምላኽና ነልዕሎ፣ ንቕቡእ እግዚኣብሔር ከም ዜድኅኖ፣ ሕጂ ፈለጥኩ፣ ብናይ እታ የማነይቲ ኃይሊ ምድኃን ካብ ቅድስቲ ሰማዩ ኺመልሰሉ እዩ። ገሊኣቶም ብሰረገላታት ገሊኣቶምውን በፍራስ ይእመኑ፣ ንሕና ግና ንስም እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኽንዝክሮ ኢና። ንሳቶም ደኒኖም ወዲቖም፣ ንሕና ግና ደልዲልና ንቐውም። ዎ እግዚኣብሔር፣ ንንጉሥ ኣድኅኖ፣ በታ እንጠርዓላ መዓልቲ ይስምዓና። ሃሌ ሉያ።
መበል 23 መዝሙር
እግዚኣብሔር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ። በትርኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፣ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ ኣሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ከኣ ንዘለዓለም ክነብር እየ። ሃሌ ሉያ።
መበል 24 መዝሙር
እግዚኣብሔር ንምድሪ ኣብ ባሕሪ ሠሪትዋ፣ ኣብ ወሓይዝውን ኣጽኒዕዋ እዩ እሞ፣ ንሳን ምልኣታን፣ ዓለምን ዚነብርዋን ናቱ እዮም። ናብ ከረን እግዚኣብሔር ዚድይብ መን እዩ፧ ኣብቲ ቕዱስ ቦታኡ ዚቐውምሲ መን እዩ፧ እቲ ንጹህ ዝኣእዳዉን ንጹህ ዝልቡን፣ ነፍሱ ናብ ከንቱ ዘየልዕል፣ ብጥበራ ዘይምሕል ሰብ እዩ። ንሱስ በረኸት ካብ እግዚኣብሔር፣ ጽድቂውን ካብ ናይ ምድኃኑ ኣምላኽ ኪቕበል እዩ። እቶም ዚደልይዎ ወለዶ እዚኣቶም እዮም፣ ንገጽካ ዚደልዩ፣ ዎ ኣምላኽ ያዕቆብ። ኣቱም ደጌታት፣ ርእስኻትኩም ኣልዕሉ፣ ዎ ናይ ዘለዓለም ደጌታት፣ ልዕል በሉ፣ እቲ ንጉሥ ክብሪውን ኪአቱ እዩ። እዚ ንጉሥ ክብሪኸ መን እዩ፧ እቲ ብርቱዕን ኃያልን እግዚኣብሔር፣ ኣብ ውግእ ዝብርቱዕ እግዚኣብሔር እዩ። ኣቱም ደጌታት፣ ርእስኻትኩም ኣልዕሉ፣ ዎ ናይ ዘለዓለም ደጌታት፣ ልዕል በሉ፣ እቲ ንጉሥ ክብሪውን ኪአቱ እዩ። እዚ ንጉሥ ክብሪ እዚ መን እዩ፧ ጐይታ ሠራዊት፣ እቲ ንጉሥ ክብሪ ንሱ እዩ። ሃሌ ሉያ።
መበል 26 መዝሙር
ኦ እግዚኣብሔር፣ ብንጽህና ተመላሊሰ፣ ከይተሓንኰልኩ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሔር ተወኪለ እየ እሞ፣ ፍረደለይ። ዎ እግዚኣብሔር፣ መርምረንን ተዓዘበንን፣ ንልበይን ኰላሊተይን መርምሮ። ሳህልኻ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ እዩ እሞ፣ ብሓቅኻ እመላለስ ኣሎኹ። ምስ ሓሰውቲ ሰባት ኣይተቐመጥኩን፣ ምስ ኣምሰሉታትውን ኣይከድኩን። ንማኅበር እኩያት እጸልኣ፣ ምስ ረሲኣንውን ኣይቅመጥን እየ። ዎ እግዚኣብሔር፣ ነእዳወይ ብንጽህና እሓጽበን፣ ድምጺ ምስጋና ኸስምዕ፣ ንብዘሎ ተኣምራትካውን ምእንቲ ኸዘንትዎስ፣ ንመሰውኢኻ እዞሮ ኣሎኹ። ዎ እግዚኣብሔር፣ ንቤት ማኅደርካ፣ ነቲ ኽብርኻ ዚነብረሉ ቦታ ኤፍቅሮ እየ። ንነፍሰይ ምስቶም ኣብ ኣእዳዎም ዓመጻ ዘለዎም ኃጥኣን፣ ንሕይወተይ ከኣ ምስቶም የማነይቲ ኢዶም መማለጃ ዝመልአት ሰብ ደም ኣይትመንጥላ። ኣነስ ብንጽህናይ እየ ዝመላለስ፣ ኣድኅነኒ መሓረኒውን። እግረይ ኣብ ጥጡሕ ቦታ ደው ኢላ ኣላ፣ ኣብ ማኅበራት ንእግዚኣብሔር ከመስግኖ እየ። ሃሌ ሉያ።
መበል 29 መዝሙር
ኣቱም ውሉድ ብርቱዓት፣ ንእግዚኣብሔር ሃቡ፣ ንእግዚኣብሔር ክብርን ኃይልን ሃብዎ።
ንእግዚኣብሔር እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ሃብዎ ንእግዚኣብሔር ብጌጽ ቅድስና ስገዱሉ። ድምጺ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ማያት እዩ፣ ኣምላኽ ክብሪ የንጐድጕድ ኣሎ፣ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ብዙኅ ማያት እዩ። ድምጺ እግዚኣብሔር ብሥልጣን፣ ድምጺ እግዚኣብሔር ብግርማ እዩ። ድምጺ እግዚኣብሔር ንጽሕድታት ይሰብሮ፣ እግዚኣብሔር ንጽሕዲ ሊባኖስ ይሰባብሮ። ንሊባኖስን ንስርዮንን ከም ብተይ፣ ከም ጣዕዋ ጐባይ የዐንድሮም። ድምጺ እግዚኣብሔር ንሃልሃልታ ሓዊ ይስንጥቖ። ድምጺ እግዚኣብሔር ንምድረ በዳ የንቀጥቅጦ፣ እግዚኣብሔር ንምድረ በዳ ቃዴስ የንቀጥቅጦ እዩ። ድምጺ እግዚኣብሔር ንእራባት የውልደን፣ ንዱር የርግፎ፣ ኣብ መቕደሱውን ኵሉ፣ ክብሪ፣ ይብል ኣሎ። እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ማይ ኣይሂ ተቐመጠ፣ ኤረ እግዚኣብሔርሲ ንዘለዓለም ነጊሡ ኪቕመጥ እዩ! እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ኃይሊ ይህቦ፣ እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ብሰላም ይባርኾ። ሃሌ ሉያ።
መበል 30 መዝሙር
ንላዕሊ ስሒብካኒ፣ ንጸላእተይውን ብኣይ ኣየሐጐስካዮምን እሞ፣ ኦ እግዚኣብሔር፣ ልዕል ኤብለካ ኣሎኹ። ኦ እግዚኣብሔር ኣምላኸይ፣ ኣነ ናባኻ አእዌኹ፣ ንስኻውን ኣጥዔኻኒ። ኦ እግዚኣብሔር፣ ንነፍሰይ ካብ ሲኦል ኣውጻእካያ፣ ናብ ጒድጓድ ከይወርድሲ፣ ንሕይወት ኣድሐንካኒ። ኵራኡ ንቕጽበት ዓይኒ እዩ፣ ጸጋኡ ግና ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕ፣ ምሸት ብኽያት ይኃድር፣ ንግሆ ግና ዕልልታ ይመጽእ እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሔር ዘምሩሉ፣ ንቕዱስ ዝኽሩውን ኣመስግኑ። ኣነንከ ብራህዋይ፣ ከቶ ኣይከንደልህጽን እየ፣ በልኩ። ኦ እግዚኣብሔር፣ ብመጎስካ ንኸረነይ ኣጽኒዕካዮ፣ ገጽካ ኸወልካዮ፣ ኣነውን ሰምበድኩ። ኦ እግዚኣብሔር፣ ናባኻ አእውየ፣ ንእግዚኣብሔር ለሚነዮ፣ ከምዚ ኢለ፣ ናብ ጕድጓድ እንተ ወረድኩስ፣ ካብ ደመይ እንታይ ክትረብሕ ኢኻ፧ መሬትዶ ኺውድሰካ፣ ንሓቅኻስ ኪሰብኮ ድዩ፧
ኦ እግዚኣብሔር፣ ስማዕ እሞ መሓረኒ፣ ኦ እግዚኣብሔር፣ ረዳእየይ ኩን። ነፍሰይ ምእንቲ ኽትዝምረልካን ስቕ ከይትብልንሲ፣ ብኽያተይ ናብ ሳሕቂ ለዊጥካለይ፣ ከለይ ፈቲሕካስ፣ ደስታ ኣዕጢቕካኒ። ኦ እግዚኣብሔር ኣምላኸይ፣ ንዘለዓለም ክውድሰካ እየ። ሃሌ ሉያ።
መበል 34 መዝሙር
ንእግዚኣብሔር ኵሉ ጊዜ እባርኾ፣ ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ እዩ። ነፍሰይ ብእግዚኣብሔር ክትሕበን እያ፣ ትሑታት እዚ ሰሚዖም ኪሕጐሱ እዮም። ንእግዚኣብሔር ምሳይ ኣዕብይዎ፣ ንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ። ንእግዚኣብሔር ደሌኽዎ፣ ንሱውን መለሰለይ፣ ካብ ኵሉ ፍርሃተይ ኣናገፈኒ። ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፣ ገጾምውን ከቶ ኣይሓፍርን። እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ፣ እግዚኣብሔርውን ሰምዖ፣ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድኃኖ። መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ። እግዚኣብሔር ሠናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርኣዩን፣ ኣብኡ ዚውከል ሰብ ብፁዕ እዩ። ነቶም ዚፈርህዎ ገለ ኣይጐድሎምን እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሔር ፍርህዎ። ኰራኵር ኣናብስ ይስእኑን ይጠምዩን፣ ንእግዚኣብሔር ዚደልይዎ ግና ሠናይ ዘበለ ከቶ ኣይጐድሎምን። ደቀየ፣ ፍርሃት እግዚኣብሔር ክምህረኩምሲ፣ ንዑ ስምዑኒ። ሕይወት ዚፈቱ፣ ጽቡቕ መዓልትታት ኪርኢ ዚደሊ ሰብ መን ኣሎ፧ መልሓስካ ኻብ እከይ፣ ከናፍርካውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ሓሉ፣ ካብ እከይ ርሓቕ፣ ሠናይ ከኣ ግበር፣ ንሰላም ድለያ ስዓባውን። ኣዒንቲ እግዚኣብሔር ናብ ጻድቃን፣ ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን። መዘከርታኦም ካብ ምድሪ ምእንቲ ኼጥፍኦስ፣ ገጽ እግዚኣብሔር ናብቶም ገበርቲ እከይ እዩ። ጻድቃን የእውዩ፣ እግዚኣብሔር ድማ ይሰምዖም፣ ካብ ኵሉ መከራኦምውን የናግፎም። እግዚኣብሔር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም። ናይ ጻድቕ መከራ ብዙኅ እዩ፣ እግዚኣብሔር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ። ንሱ ንዅለን ኣዕጽምቱ ይባልሀን፣ ሓንቲ እኳ ኣይትስበርን። ክፍኣት ንረሲእ ይቐትሎ፣ ንጻድቕ ዚጸልኡ ኸኣ ኪዅነኑ እዮም። እግዚኣብሔር ንነፍሲ ባሮቱ ይብጀወን፣ ካብቶም ኣብኡ ዜዕቊቡ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይኵነንን እዩ። ሃሌ ሉያ።
መበል 41 መዝሙር
ንድኻ ዚሓልየሉ ብፁዕ እዩ፣ እግዚኣብሔር ብመዓልቲ መከራ የናግፎ። እግዚኣብሔር ይሕልዎ ብሕይወትውን የንብሮ። ንሱ ኣብ ምድሪ ብፁዕ ይኸውን። ናብ ፍቓድ ጸላእቱ ኣይተሕልፎን ኢኻ። ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፣ እግዚኣብሔር ይድግፎ። ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ። ጐይታየ፣ በዲለካ እየ እሞ፣ መሓረኒ፣ ንነፍሰይ ኣሕውያ፣ በልኩ። ጸላእተይ፣ መኣስ ኰን ኪመውት፧ መኣስሲ ስሙ ኺጠፍእ እዩ፧ ኢሎም ብአይ ክፉእ ይዛረቡ ኣለዉ። ሓደ እንተ በጽሓኒ፣ ብልግሚ ይዛረብ፣ ኣብ ልቡ ኽፍኣት ይእክብ፣ ምስ ወጸ ይዛረቦ። ኵሎም ጸላእተይ ብአይ ንሓድሕዶም የሕሸዅሽኹ፣ ግብሪ እከይ ጠቢቕዎ ኣሎ፣ በጥ ኢሉ እዩ እሞ፣ ከቶ ኣይኪትንስእን እዩ፣ እናበሉ ብአይ ክፉእ ይምህዙ ኣለዉ። እወ፣ እቲ ዝእመኖ፣ እንጌራይ ዝበልዐ ፈታውየይ እኳ ሸዀናኡ ኣልዓለለይ። ንስኻ ግና፣ ጐይታየ፣ መሓረኒ፣ ክፈድዮም ከኣ ኣተንሥአኒ። ጸላእየይ እንተ ዘይተዓወተለይ፣ በዚ ንስኻ ኸም ዝበሓግካኒ እፈልጥ አሎኹ። ንኣይሲ ብንጽህናይ ትድግፈኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ንዘለዓለም ተንብረኒ ኣሎኻ። እግዚኣብሔር፣ ኣምላኽ እስራኤል፣ ካብ ዘለዓለም ንዘለዓለም ይባረኽ። ኣሜን፣ ኣሜን። ሃሌ ሉያ።
መበል 43 መዝሙር
ኦ ኣምላኽ፣ በይነለይ፣ ምስቲ ምሕረት ዜብሉ ሕዝቢ ተማጐተለይ፣ ካብ ሓሳውን ዓማጽን ሰብ ኣድኅነኒ። ኣምላኽ ኃይለይ ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ስለምንታይ ደርቤኻኒ፧ ስለምንታይከ ብሰሪ ጥቕዓት ጸላኢ እናሓዘንኩ እኸይድ ኣሎኹ፧ ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማኅደራትካን የብጽሓኒ። ሽዑ ናብ መሰውኢ ኣምላኽ፣ ናብ ኣምላኽ ደስታይን ታሕጓሳይን ክአቱ እየ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ኣምላኸየ፣ ብበገና ኸመስግነካ እየ። ነፍሰይ፣ ስለምንታይ ትጕህዪ፧ ስለምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ ኣሎኺ፧ ንምድኃን ገጸይን ኣምላኸይን ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ። ሃሌ ሉያ።
መበል 45 መዝሙር
ካብ ልበይ ጽቡቕ ነገር ይግንፍል፣ ድርሳናተይ ንንጉሥ እዩ፣ እብል፣ ልሳነይ ከም ብርዒ ቕልጡፍ ጸሓፊ እያ። ካብ ደቂ ሰብ ንስኻ ትጽብቕ፣ ውቃበ ኣብ ከናፍርካ ፈሰሰ፣ ስለዚ ኣምላኽ ንዘለዓለም ባረኸካ። ኣታ ጅግና፣ ሰይፍኻ ኣብ ሕቛኻ ዕጠቕ፣ ክብርኻን ግርማኻን ልበስ። ምእንቲ ሓቅን ገርህነትን ጽድቅን ብግርማኻ ውጻእ፣ የማነይቲ ኢድካውን ዜፍርህ ነገር ክትምህረካ እያ። ፍላጻታትካ በላሕቲ እየን፣ ኣብ ልቢ ጸላእቲ ንጉሥ ይኣትዋ። ሕዝብታት ኣብ ትሕቴኻ ይወድቁ። ዎ ኣምላኽ፣ ዝፋንካ ንዘለዓለም ዓለም እዩ፣ ዘንጊ መንግሥትኻውን ዘንጊ ቕንዕና እያ። ጽድቂ ትፈቱ፣ ረሲእነት ትጸልእ። ስለዚ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብአካ። ኣልባስካ ዅሉ ከርበን ዓልወን ዝባድን ይጨኑ፣ ኣብ ኣደራሻ ስኒ ሓርማዝውን በገናታት ባህ የብለካ ኣሎ። ኣዋልድ ነገሥታት ኣብ ማእከል እተን ክቡራት ኣንስትኻ እየን፣ እታ ንግስቲ ብወርቂ ኦፈር ተሰሊማ፣ ኣብ የማንካ ትቐውም ኣላ። ጓለየ፣ ስምዒ፣ ርአዪውን፣ እዝንኺ ኸኣ ኣድንኒ፣ ሕዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ። ንጉሥ ንውብነትኪ ይብህጎ፣ ንሱ ጐይታኺ እዩ እሞ ስገድሉ። ጓል ጢሮስን ናይ ሕዝቢ ሃብታማትን፣ ገጸ በረኸት ሒዞም፣ ሞገስካ ኺደልዩ እዮም። ጓል ንጉሥ ኣብ ውሽጢ ዅለንትናኣ ኽብርቲ እያ፣ ክዳውንታ ወርቀዘቦ እዩ። ዝንጒርጒር ክዳን ተኸዲና ናብ ንጉሥ ኬእትውዋ፣ ብድሕሪኣ ኣዳኖታታ ደናግል ናባኻ ኺወስድወን እዮም። ብሓጐስን ዕልልታን ተዐጂበን ኪመጻ፣ ናብ ኣዳራሽ ንጉሥ ኪኣትዋ እየን። ውሉድካ ኣብ ክንዲ ኣቦታትካ ኪዀኑ፣ ኣብ ብዘላ ምድሪውን መሳፍንቲ ኽትገብሮም ኢኻ። ካብ ወለዶ ንወለዶ ንስምካ ኸዘክሮ እየ፣ ስለዚ ሕዝብታት ንዘለዓለም ኬመስግኑኻ እዮም። ሃሌ ሉያ።
መበል 46 መዝሙር
ኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ኃይልን፣ ብጸበባ ፍጡን ረድኤትን እዩ። ስለዚ ምድሪ እንተ ተገልበጠት፣ ኣኽራን ኣብ መዓሙቚ ባሕሪ እንተ ተናወጹ፣ ማያቱ እንተ ሀመመን እንተ ዐፈረን፣ ኣኽራን ብነድሮም እንተ አንቀጥቀጡ፣ ንሕናስ ኣይንፈርህን ኢና። ወሓይዙ ንኸተማ ኣምላኽ፣ ነታ ቕድስቲ ቦታ ማሕደር እቲ ልዑል ዜሐጕስ ርባ ኣሎ። ኣምላኽ ኣብ ማእከላ ኣሎ፣ ኣይክትናወጽን እያ፣ ኪወግሕ ከሎ፣ ኣምላኽ ኪረድኣ እዩ። ኣሕዛብ ጫውጫው በሉ፣ መንግሥትታት ተናወጹ፣ ድምጹ ኣስምዔ፣ ምድሪ መኸኸት። ጐይታ ሠራዊት ምሳና እዩ። ኣምላኽ ያዕቆብ እምባና እዩ። ንዑ፣ ንግብርታት እግዚኣብሔር፣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ጥፍኣት ጠምቱ፣ ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳኣታ ይገብረሉ፣ ንቐስቲ ይሰብሮ፣ ንዅናት ይቐራስሞ፣ ንሰረገላታት ብሓዊ የንድዶ። ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉ፣ ኣብ ማእከል ኣሕዛብ ልዕል ክብል፣ ኣብ ምድሪ ልዕል ክብል እየ። ጐይታ ሠራዊት ምሳና እዩ፣ ኣምላኽ ያዕቆብ እምባና እዩ። ሃሌ ሉያ።
መበል 47 መዝሙር
ኣቱም ኣሕዛብ ኵሉኹም፣ ኣእዳውኩም ኣጣቕዑ፤ ንኣምላኽ ብድምጺ ሓጐስ ዕልል በሉሉ። ልዑል እግዚኣብሔር ዜፍርህ እዩ እሞ፣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዓብዪ ንጉሥ እዩ። ንሱ ንሕዝብታት ኣብ ትሕቴና፣ ንኣሕዛብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና የግዝኦም። ንኽብሪ ያዕቆብ፣ ፈታዊኡ፣ ርስትና ኪዀነልና ይሓርየልና። ኣምላኽ ብዕልልታ፣ እግዚኣብሔር ብደሃይ መለኸት ደየበ። ምስጋና ኣምላኽ ዘምሩ፣ ዘምሩ። ምስጋና ንጉሥና ዘምሩ፣ ዘምሩ። ኣምላኽ ንጉሥ ኵላ ምድሪ እዩ እሞ፣ መዝሙር ምስጋና ዘምሩሉ። ኣምላኽ ኣብ ኣሕዛብ ነጊሡ፣ ኣምላኽ ኣብታ ቕድስቲ ዝፋኑ ይቕመጥ። መሳፍንቲ ኣሕዛብሲ ሕዝቢ ኣምላኽ ኣብርሃም ኪዀኑ ይእከቡ ኣለዉ። ዋልታታት ምድሪ ናይ ኣምላኽ እዩ እሞ፣ ንሱ ኣዝዩ ልዕል በለ። ሃሌ ሉያ።
ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ። እዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ካብ መምህርና ቅዱስ ዮሃንስ እዩ። በረኸቱ ምስ ኩልና ይኹን።
ወንጌል ዮሓንስ 14፡26-15፡4
እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚልእኾ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለ’ውን ኬዘክረኩም እዩ። ሰላም እሐድገልኩም፡ ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን። ኣነ ክኸይድ ናባኻትኩምውን ክምለስ እየ፡ ከም ዝበልኩኹም ሰሚዕኩም አሎኹም። ካባይ ኣቦይ ይዓቢ እዩ እሞ፡ እተፍቅሩኒ እንተ ትዀኑስ፡ ናብ ኣቦይ ብምኻደይ ምተሐጐስኩም ኔርኩም። ሕጂ ድማ፡ ምስ ኰነ ምእንቲ ኽትኣምኑስ፡ ከይኰነ ነጊረኩም አሎኹ። ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ይመጽእ አሎ እሞ፡ ኣባይ ሓንቲ እኳ የብሉን። ደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይዛረብን እየ። ግናኸ ኣነ ነቦ ኸም ዘፍቅሮን፡ ከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒውን ከም ዝገብርን፡ ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ከምዚ ይኸውን አሎ። ተንስኡ ኻብዚ ንኺድ። ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩ። ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈሪ፡ የጽርዮ። ንስኻትኩም ከኣ፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኹም። ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም። ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔ፡ ካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም፡ ከምኡ ኢኹም።
ምስጋና ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ይኹን: ኣሜን። እዚ ዝተነበበ ቃልካ ብሰላም ይፍጽመልና።.
ንሰግድ ለከ ክርስቶስ ምስለ ኣቡከ ኄር ሰማያዊ ወመንፈስከ ቅዱስ ማሕየዊ እስመ መጻእከ ወኣድኀንከነ ።
(ኦ ክርስቶስ ኣምላኽና ምስ ኄር ኣቦኻን መንፈስ ቅዱስን፣ ሎምን ኵሉ ሳዕን ንሰግደልካ ኣሎና። ኣሜን። )
♱ ክፍልታት ጸሎት ♱
1. ኦ ጎይታይን ኣምላኸይን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ደቀ-መዘሙርትኻን ንጹሓን ሓዋርያትካን ብሣልሰይቲ ሰዓት ቅዱስ መንፈስካ ዝለኣኽካ፣ ኦ ሓቀኛ ኣምላኽን ሕጂ ኸኣ ኣብ ውሽጥና ኣሓድሶ እምበር ካባና መሊስካ ኣይትውሰዶ። ኦ ኣምላኽ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፤ ቅኑዕ መንፈስ’ውን ኣብ ውሽጠይ ኣሓድስ፤ ካብ ቅድሚ ገጽካ’ውን ኣይተውፅኣኒ፤ ቅዱስ መንፈስካ ኸኣ ኣይተሕድገኒ።
ስብሐት ለኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ።
(ምስጋና ንአቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን)።
2. ኦ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነቲ ቅዱስ መንፈስካ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ደቀ-መዛሙርትኻን ክቡራን ሓዋርያትካን ኣብ ሣልሰይቲ ሰዓት ዝለኣኽካዮ፣ ኦ ሓቀኛ ኣምላኽና ካባና ኣይትመንዝዓዮ። ኦ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ኣምላኽን ንኣቦ ሓደ ወዱን፣ ንወሃቢ ሕይወት፣ መንፈስ ቅንዕናን፣ መንፈስ ውሉድነትን፣ መንፈስ ንጽሕናን፣ መንፈስ ቅድስናን፣ መንፈስ ሓቅን ፍርድን ሥልጣንን ኣብ ውሽጥና ንኽትሕድሶ ንልምነካ ኣሎና። ኦ ንኹሉ ነገር እትኽእል፣ መብራህቲ ነፍስና ንስኻ ኢኻ። ኣንታ ብርሃንካ ንዅሉ ሰብ እትህብ፣ ናብ ዓለም ዝመጻእካ መሓረና።
ይእዜኒ ወዘልፈኒ ወለዓለም ዓለም ኣሜን። ሃሌ ሉያ።
(ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለምን፡ ኣሜን። ሃሌ ሉያ።)
3. ኦ ወላዲተ ኣምላኽ እታ ሓቀኛ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝጾረት ሓረገ ወይኒ ንስኺ ኢኺ። ኣንቲ ምልእተ ጸጋ፣ ምስ ኵሎም ሓዋርያት ምእንቲ ድኅነት ነፍስና ናብ ወድኺ ኣማልድልና። ኣምላኽናን ጎይታናን ብሩኽ እዩ። ምኽንያቱ ንሱ ኣምላኽናን መድኃኒናን እዩ።
ይእዜኒ ወዘልፈኒ ወለዓለም ዓለም ኣሜን። ሃሌ ሉያ።
(ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለምን፡ ኣሜን። ሃሌ ሉያ።)
4. ኦ ጎይታ መጸናንዒ፣ ኣብ ኵሉ ቦታ ዝርከብ መንፈስ ሓቂ፣ ንዅሉ ዝመልእ፣ ማእከን ሠናያት፣ ወሃቢ ሕይወት፣ ነዓ ኣባና መጺእካ ኅደር። ኦ ኄር፣ ካብ ኵሉ ደነስ ኣንጺሕካ ንነፍስና ኣድኅና።
ስብሐት ለኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ
(ምስጋና ንአቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን)
5. ኦ መድኃኒና፣ ከምቲ ምስ ሓዋርያትካ ከሎኻ ሰላምካ ዝሃብካዮም፣ ሕጂ’ውን ነዓ ምሳና ዅን፣ ሰላምካ ሃበና፤ ኣድኅነናን ርድኣናን።
ይእዜኒ ወዘልፈኒ ወለዓለም ዓለም ኣሜን። ሃሌ ሉያ።
(ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለምን፡ ኣሜን። ሃሌ ሉያ።)
6. ኣብቲ ቅዱስ ቤት-መቕደስኪ ምስ እንቐውም፣ ልክዕ ኣብ ሰማይ ከምዝቖምና እዩ ዝቝጸር እሞ፣ ኦ ወላዲተ ኣምላኽ፣ ንስኺ ኣፍ ደገ ሰማይ ኢኺ እሞ ኣፍ ደገ ምሕረት ክፈትልና።
ኦ ጎይታ ጸሎትና ሰሚዕካ ኃጢኣትና ኅደገልና።
41 ጊዜ ‘ኪርያላይሶን’ በል።
ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ
ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ጎይታ ሠራዊት፣ ሰማይን ምድርን ብክብርኻን ብልግስኻን ምሉኣት እየን። ኦ ንኹሉ እትመልኽ እግዚኣብሔር ኣቦ መሓረና። ኦ ጎይታ ሠራዊት፣ ኣምላኽ ኃይልታት ምሳና ኹን። ምኽንያቱ ኣብ ጊዜ ሽግርናን ጭንቀትናን ብዘይካኻ ረዳኢ የብልናን። ኦ ኣምላኽ ኣባና ኅደር። ንበደልና ይቕረታን ምሕረትን ግበረልና። እቲ ብድልየትናን ብዘይድልየትናን ዝገበርናዮ፣ እቲ ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ዝሠራሕናዮ፣ ስዉርን ግሁድን ዝኾነ ኃጢኣትና ምእንቲ እቲ ኣብ ልዕሌና ዝስመ ቅዱስ ስምካ ኢልካ ኦ ጎይታ ይቕረ በለልና።
በከመ ምሕረትከ ኣምላክነ ወኣኮ በከመ ኣበሳነ።
(ኦ ጎይታ ከም ምሕረትካ ደኣ እምበር ከም ብዝሒ ኃጢኣትና ኣይኹን። )
ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና… ገጽ 14
ናይ ምምላድ ጸሎት ገጽ 178
ናይ ንስሓ ጸሎት (ጸሎተ ሥርየት)
ኦ ኣምላኽ ርኅሩኅን ጎይታ ኵሉ ምጽንናዕን ኢኻ እሞ፣ እቲ ኵሉ ጊዜ ብመጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ዘጸናንዓና፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ደቀ-መዛሙርትኻን ክቡራን ሓዋርያትካን፣ ውህበት ጸጋ መንፈስ ቅዱስካ ከም ናይ ልሳን ሓዊ ኣብዚኅካ ዘፍሰስካሎም፣ በዛ ቅድስቲ ሰዓት እዚኣ ብትብዓት ንኽንጽልይ ዘቖምካና ነመስግነካ ኣሎና። ኦ መፍቀር ሰብ ናባኻ ንጽልይን ንምህለልን ኣሎና። ጸሎትና ተቐቢልካ ኃጢኣትና ሕደገልና። ጸጋ ውህበት መንፈስ ቅዱስካ’ውን ለኣኸልና። ካብ ኵሉ ርኽሰት ሥጋን ነፍስን ኣንጽሓና። ናብ መንፈሳዊ መገዲ ሕይወት ምርሓና። ብመንፈስ ደኣ ክንጽዕር እምበር ብሥጋዊ ስምዒት ከይንምላእ፣ ብዅሉ መዋዕል ሕይወትና፣ ብንጽሕናን ቅድስናን ክነገልግለካሲ ብቑዓት ግበረና። ክብርን ምስጋናን ውዳሴን ንዓኻን፣ ነቲ ሠናይ ኣቦኻን፣ መንፈስ ቅዱስን ሕጂን ንዘለዓለምን ይግባእ። ኣሜን።
መዛዘሚ ጸሎት ነፍሲ ወከፍ ሰዓት
ኦ ጎይታ መሓረና፣ ምሕረትካ’ውን ኣብዝኃልና። ኦ ኣብ ነፍስ ወከፍ ሰዓትን ጊዜን፣ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ብኽብረት ዝሰግደልካ ክርስቶስ፣ እሙን ኣምላኽና፣ በዓል ነዊሕ ትዕግስትን ብዙኅ ምሕረትን፣ ብሠናያት ዝተመላእካን ርኅሩኅን፣ ነቶም ኣነ ዝቐደማዮም ኃጢኣተኛታት’ውን እትምሕር፣ ንኃጥእ ብንስሓ ተመሊሱ ብሕይወት ክነብር እምበር ሞቱ ዘይትደሊ፣ ምእንቲ እቲ ዝጽበዮም ዘሎ ተስፋ ክረኽቡ ንዅሎም ናብ ድኅነት እትዕድም፣ ኦ ጎይታ ኣብዛ ሰዓት እዚኣን ኣብ ኵሉ ሰዓታትን ልመናና ተቐበል። ሕይወትና ኣቃንዓልና፤ ትእዛዛትካ ክንገብር ምርሓና፤ መንፈስና ቅድስ፤ ሥጋናን ሓሳባትናን ኣንጽሕ፤ ትምኒትና’ውን ሥመር፤ ሕማምና ፈውስ፤ ኃጢኣትና ሕደገልና፤ ካብ ኩሉ ሓዘንን ስቅያት ልብን ርድኣና። ብህልውንኦም ክንዕቆብ፣ ብቅዱሳት መላእኽትኻ ሓልወና፤ ናብ ውህደት እምነት ከነምርሕ ምእንቲ፣ ናብቲ ዘይምርመርን ዘይውሰንን ፍልጠትካ ክንበጽሕ ዓድለና። ንስኻ ንዘለዓለም ብሩኽ ኢኻ። ኣሜን።
ኦ ጎይታ፣ ክቡር ምስጉን ወድኻ፣ ንስኻትኩምሲ ክትጽልዩ ከሎኹም ከምዚ በሉ እናበለ ከም ዝመሃረና ከምዚ ኢልና ክንጽውዓካ ብቑዓት ግበረና።
ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና....